1. ነዚ እንወፍዮ ሓገዝ ኣብ ምንታይ ተውዕልዎ?
  • ኤትርትራውያን ታሪኾም ብጽሞና መንታ ክንብቡን ክመሃሩን፡ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ነካይደሉ፡ መሃርቲ ዝኾኑ መጻሕፍቲ፡ ፖስተራት ንመዳልዊ፡ ነቶም ካብ ብንባብ ብስእሊ (ወይ ቪዲዮ) ክመሃሩ ዝሰልጦም ከኣ ስእላዊ መምሃሪ ነዳልወሉ፤
  • ነተን ካልኦት ታሪኻውያን ቦታታት ጥንታዊት ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ኣዱሊስ ደረጃ መጽናዕትን ምርምርን ክበጽሓ፡ ንምርምርን መጽናዕትን ንጥቀመሉ፤
  • እዚ መርበብ ሓበሬታና፡ ብሰንኪ ድሩት ዓቅምና፡ ብቋንቋ ትግርኛን እንግሊዝን ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ናብካልኦት ቋንቋታት ኤርትራን (ወይ ኤርትራውያን ዝዛረብዎ) ክትርጎምን፡ ስንኩላን ክጥቀሙሉ ከምዝኸእሉ ኣብ ናይ ምትግባር መደባትና ንጥቀመሉ።
2. ሐራይ ግርም! ክሳብ ኣብዚኸ ከመይ ጌርኩም በጺሕኩም?
  • ዶር. ዳኒኤል፡ ምስ ኣዕሩኽቱን መሳርሕቱን ኮይኖም፡ ኣዋጺኦም ጀሚሮሞ። ብሩኽ መዓልቲ ኮይኑ ከዓ ኣምላኽ ስለዝተሓወሶ ኣባኻ/ኺ በጺሕና።