ራእይና
ኣብ ሥነ-ፍልጠት ተሰሪቱ፡ ነቲ ዘይነጽፍ ልቦና ቀዳሞት ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ግዜና ከም መወከስን መነጻጸርን መታን ከገልግል፡ እንተ ብራሕቂ ጊዜ ዲዪ፡ ወይስ ናይ ምትሕልላፍ ሓደጋ ገጢሙ ናባና ዘይሰገረ ታሪኽና፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ከዓ ኮነ ኢልካ ብፍላጥ ብዓብላሊ ወራር ገዛእቲ ዝተረግጸ ታሪኽ ኤርትራውያን፡ ብሥነ-ጥንታዊ መጽናዕቲ ኩዒቱ፡ ሰኒዱ፡ ኣዋህሊሉ ንኤርትራውያን ምቅራብ፡ ምዝርጋሕ፡
እዋኑ ኮይኑ ሕዝብን መንግስትን ኤርትራ ነዚ ታሪኻዊ ዑናታት ኣዱሊስ ክንሰርሖ፡ እንተወሲኑ ክንሰርሖ፡ ልክዕ ከምቶም ናይ ታሪኽ መዛኑና ኢጣልያውን፡ እስራኤላውያን፡ ግብጻውያን፡ግሪካውያን ንታሪካዊ ቦታታቶም ዝሰርሕዎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ውን ንታሪኻዊ ቦታታትና ኣብቲ ዝግብኦ ቦታ ክብሪ ምስ መዛኑኡ ከነትሕዞሞ፡ ክንሕበነሉ፡ ክንመሃረሉ፡ ሃገርና ኤርትራ ከዓ ክትረብሓሉ፡
እዋኑ እንተዘይኮይኑ ከዓ፡ ንኻባና ዝበልጽ፡ ንመጻኢ ወለዶ ከሓልፍ፤ ኣእሙራውን ንዋታውን ዓቅሚ ምውህላል፡ ፍልጠት ምምሕልላፍ።
ዕላማና
1. ምዕቃብ
ታሪኽን፡ ታሪኻውያን ቦታታት፡ ቅርስታትን፡ጽሑፋትን፡ መታን ክዕቀቡ፡ ኣፍልጦ ሥነ-ጥንቲ ኤርትራውያን ምኽዕባት:
ነተን ካልኦት ተሪፈን ዘለዋ ታሪኻውያን ቦታታት ኤርትራ፡ ንኣብነት ከም እኒ ዓራቱ፡ ከስከሰ፡ መጠራ ወዘተርፈ፡ ኣብዚ ናይ ኣዱሊስ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ መጽናዕትን ምርምርን ክበጽሓ ፡ ምጽዓር፡
2. ምስናድ
ኣብ ሥነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትቲ ዝተሠረተ ታሪኽ ኤርትራውያን ምዝርጋሕ፡ ኣብ ገለ እዋናት ከዓ ብቅልል ዝበለ መገዲ ምቅራብ፡:
3.ምዝርጋሕ
ኣብዚ ግዜና ተበጺሑ ዘሎ ምዝርጋሕ ትምህርቲን ሓበሬታን ተጠቂምካ ኤርትራዉያን ምስ ታሪኾም ክዋስኡ ምሕጋዝ
ናይ ቀረባ መጻኢ መደባትና
ኣብ ኤትርራ ወላኳ ኣእላፋት ኣሽሓት ስነጥንታዊ ታሪኽ ዘለወን ቦታታት እኳ እንተለዋ፡ እዘን ሰለስተ ብቀጥታ ምስ ኣዱሊስ ዝተኣሳሰራ ስለዝኾና ኣብዚ ቀረባ መጻኢ ምርምራተን ክንወድእ ተስፋ ንገብር።