ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ኣዱሊስ ኣብ ትርብዒት E6 ይርከብ። እዚ ቤተ መቅደስ እዚ ቅዲ ኣሰራርሕኡ ምስ ሕጂ ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ይመሳሰል። ኣብ ማእከል ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ሾሞንተ ኣዕኑድ ብክቢ ተሰሪዖም ይርከብዎ። እዚ ምስ መስዋእቲ ምቅራብን፡ ዕጣን ምውፋይን ዝተኣሳሰረ ኢዩ።
ኣብ መሰረት ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ክልተ መስርዕ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ሰሪዑ ይርከብ።እዘን ኣዕኑድ ነቲ ምድሪቤት ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ይስከማ። ምድሪቤት ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ብዝተጸርበ ኣእማን ተረቢቡ ዝተሰርሔ እንክኸውን፡ በቲ ኣብኡ ብብዝሒ ዝተረኽበ እምኒ ዕንፎራ፡ ብዕንፎራ ዝተረበ ከይነበረ ኣይተርፍን።
ቀዳማይ ደርቢ ኣብ መእተዊ ብኣርባዕተ ኣዕኑድ ኣብ ማእከል ብሾሞንተ ኣብ ጫፍ ከኣ ብመናድቅ መልበሲ ካህናት ኣሕቢሩ ንናሕሲ ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ይድገፍ። ኣብ ቤተ መቅደስ ሳልሳይን ካልእን ብብዝሒ ዝርከብ ኣዕኑድ ጽሕደን ኣውሊዕን ብብዝሒ ይርከቦ።
ቤተ መቅደስ ሳልሳይ ቅዲ ኣተሃናንጻ ቀዳማይ ቤተመቅደስን ካልኣይ ቤተመቅደስን ይኽተል። እዚ ድማ ከተማ ኣዱሊስ ብሰሜናዊ-ምዕራብ ደቡባዊ-ምስራቅ ሕንጻጽ ተማእዚና ብመደብ ከምዝተሰርሔት (Centrally Planned) የረጋግጽ።