ቤተ መቕደስ ካልኣይ ኣብ ትርብዒት C5 ዝርከብ ኮይኑ፡ ብ34.02 ሜትሮ ይነውሕ ብ21.70 ሜትሮ ከኣ ይገፍሕ። ቤተ መቕደስ ካልኣይ ኣብ 1868 ብስርሒት ናፕየር ዝፍለጥ ብእንግሊዛውያን ተዃዒቱ። ስርሒት ናፕየር ንሓጸይ ቴድሮስ ኪወግእ ዝመጸ ናይ መግዛእቲ እንግሊዝ ወራሪ ሓይሊ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ ኣዱሊስ ዓስኪሩ ከሎ ዝኾዓትዎ ኢዩ። ንኣብነት ኢሉስትረይትድ ሎንዶን ታይምስ ዝብሃል ጋዜጣ ኣብ ናይ 1868 ሕታሙ ነዚ ኣብታሕቲ ዘሎ ሰእሊ ኣሕቲሙ።
ብ6ተ ጫፋቱ ዝተቆርጸ መሳልል ብወገን ምዕራብ ተደዂኑ ነቲ ቤተ መቕደስ ምዕሩግ መልክዕ ይህቦ። ሕንጻታት ባይቶ ኣዱላውያንን ቀዳማይ ቤተመቕደስን ንሰሜን ደቡብ ገጾም ኽምእዘኑ ከለው ቤተመቕደስ ካልኣይን ሳልሳይን ግን ንምብራቅ ገጾም ምምእዛኖም ምናልባት ድሕሪ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ክርስትና ዝጸለዎ ዓይነት ኣሰራርሓ ከይኮነ ኣይተርፍን። ንኣብነት እተን ቀዳሞት ኣብያተ ክርስትያናት ሮማ ንምብራቅ ገጸን ተማእዚነን ልክዕ ከምዘን ናይ ኣዱሊስ ይመሳሰላ።
ውሽጣዊ መሳልላት ቤተመቅደስ ካልኣይ ኣብ ሓደ ዓንዲ ተረቢቦም ኣብ መንደቕ ይስኩዑ። ሓሙሽተ ኣዕኑድ ብየማን ሓሙሽተ ኣዕኑድ ብጸጋም ተሰሪዖም ኣብ ቅድሚት መጠመቒ ኣለዎ። ሓሙሽተ ንኣሽቱ መሳልል ገርካ ኣብቲ መጠመቒ ይውረድ። እዚ መጠመቒ ወይ ካብ ሓደ ዝተጸርበ እምኒ ወይ ድማ ማይ ከዕቁር ዝኽእል ይስራሕ።ወላኳ ካልኣይ ቤተመቅደስ ንምብራቅ ተማእዚኑ ካብ ካልኦት ሕዝባውያን ሕንጻታት እንተተፈልየ፡ ቅዲ ኣተሓናንጻ ግን ልክዕ ከምቲ ካልእ ሕዝባዊ ሕንጻታት ኢዩ።