20. እንዳ ንጉስ


እንዳ ንጉስ ኣብ ካርታ ኣዱሊስ ኣብ ትርብዒት C2 ይርከብ። ክልተ ክፍልታት ኣለዉዎ። ሰሜናውን (ብቐይሕ ተሓንጺጹ ዘሎ) ደቡባውን(ብሰማያዊ ተሓንጺጹ ዘሎ)። ሰሜናዊ ክፋል 8 ክፍልታትን 2 ንፋስ መውሰዲ (ገበላ) ክህልዎ ከሎ፡ ደቡባዊ ክፋል ከኣ 7 ክፍልታትን ክልተ ንፋስ መውሰዲ ኣልዎ። ክልቲኡ ክፋላት ድሒሩ ብዝተሰርሐ መላገቢ ተወሃሂዱ ሓደ ሕንጻ ይመስል። እንዳ ንጉስ ኣብ 1961-62 ብፍራንሲስ ኣንፍረ ዝብሃል ፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነጥንቲ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሃይለስላሰ ዝተዃዕተ ኮይኑ፡ ክፋል ናይቲ ፖለቲካዊ ጎስጓስ፡ ኣዱሊስ ምስ ኣኽሱም ዝነበራ ዝምድና ክጋነን እሞ ፡ነቲ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኢያ ዝብል ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ደገፍ ሰነጥንቲ ኣብ ዝናደየሉ እዋን ኢዩ እዚ ሕንጻ ተኳዒቱ:: ከምኡ ውን መጠራ ኣብዚ እዋን እዚ ኢያ ተዃዒታ።



እዚ ሕንጻ እዚ ክሳብ ቀዳማይ ደርቢ ጥራይ ኢና ኣብጺሕናዮ ዘለና፡ የግዳስ ክሳብ 6ይ ደርቢ ከብጽሕ ዝኽእል ድልዱል መሰረት ኣለዎ። ከምኡውን ክሳብ 6 ደርቢ ዝተሓንጹ ሕንጻታት ኣዱሊስ ከምዝነበርዋ ጥንታውያን ጽሑፋት ይሕብሩ። ክሳብ ኩሎም እቶም ኣብ ኣዱሊስ ትሕቲ መሬት ተቐቢሮም ዘለው ከይወጹ ብርግጽ ኣየኖት ሕንጻታት ክሳብ 6ይ ደርቢ ዝተሓንጹ ምንባሮም ንምድምዳም ዛጊት እኹል ሓበሬታ የለን።


እንዳ ንጉስ ኣብ ምድርቤት ብሰለስተ መዓጹ ይእቶ። እተን ክልተ መዓጹ ኣብ ደቡባዊ እታ ሓንቲ ከኣ ኣብ ምብራቓዊ መንደቕ ትርከብ። ኣብዚ ምድሪቤት እዚ ኢዩ ምሉእ ናይ ሓርማዝ ስኒ ስለዝተረኽበ፡ ንቲ ናይ ቀዳሞት ኣዱላውያን ምፍራይ ተዋጋእቲ ሓራምዝ መጽናዕቲ ሓጋዚ ዝገበሮ። ኣብ ምድሪቤት እንዳ ንጉስ ኣብ 2.5 ሜትሮ ክዛዘም ከሎ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ግን ክሳብ 4 ሜትሮ ዝንውሑ ምልኩዕ ኣደራሽ ከም ዝነበረ ይሕብር። እዚ በዓል ነዊሕ ናሕሲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋሉ 18 መሳኹቲን 6 መዓጹ (ክልተ ኣብ ምድሪቤት) ክህልዎ ከሎ ደቡባዊ ክፋል እንዳ ንጉስ ከኣ 10 መሳኹቲን ሓሙሽተ መዓጹ (3 ኣብ ምድሪቤት) ኣለዉዎ። እንዳ ንጉስ ብንፍቀ ክቢ ዝመልክዔ ኣዕኑድ ነቲ ገበላ የማዕርጎ (ኣብ ታሕቲ ሰእሊ ተመልከቱ)።