15. ዕዳጋ ኣዱላውያን


1. ንድፊ ዕዳጋ ኣዱላውያን


ዕዳጋ ኣዱላውያን፡ ኣብ ትርብዒት C1 ኣብ ካርታ ኣዱሊስ ይርከብ። ብኸምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ዝተሰርሑ ሕንጻታት ኣብ ናይ ባሕርን መሬትን ንግድ ኣብ ዝካየደለን ቦታታት ዝውቱር ኢዩ። ሕንጻ ዕዳጋ ኣዱሊስ 18.12 ሜትሮ ዝንውሑ 15.40 ሜትሮ ዝግፍሑ ሕንጻ ኢዩ። ክልተ ደርብታት ኣለውዎ፡ ምድርቤትን ቀዳማይ ደርብን። ኣርባዕተ ርቡዕ ኩርናዓዊ ኣዕኑድ ኣብ ምድሪቤት ተተኺሉ ንናሕሲ ቀዳማይ ደርቢ ይድግፍ።


2. ኣሰራርሓ ዕዳጋ ኣዱላውያን


ኣብ ምድርቤት ዕዳጋ ኣዱላውያን ነፍሲወከፍ ብሓሙሽተ ዝተጸርቡ ኣእማን ዝተረበቡ ኣርባዕተ ኣዕኑድ ንዕዘብ። እዞም ኣዕኑድ ማእከሎም ተበሲዑ ካልእ እምኒ ተሸኺሉሎም ይጸንዑ። ኣዕኑድ ቀዳማይ ደርቢ ብርክት ዝበሉ ኢዮም ምስ ካልኦት ኣወዳዲርካ፡ ንኣብነት ኣብ ኣዱሊስ ኣዕኑድ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ 16 ኮይኖም ኣርባዕተ ብኣርባዕተ ክስርዑ ከለው ኣብ ከም በዓል ቆሓይቶ ግን 4 ኮይኖም ክልተ ብኽልተ ተሰሪዖም ንዕዘብ።



ዕዳጋ ኣዱሊስ ኣብ 2.5 ሜትሮ ብራኸ ምስ በጽሔ ናብ ቀዳማይ ደርቢ ብ8 መሳልል ይድየብ።ብወገን ደቡብ ኣብ ምድርቤት 2.79 ሜትሮ ዝግፍሑ 2 ሜትሮ ዝንውሑ ማዕጾ ኣለዎ (ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ተመልከቱ)። እዚ ንመኸዘኒ ንብረት ዜገልግል ንመጽዓኛ (ኣድጊ ምስ ጽዕነቱ) ብዘይ ገለ ጸገም ዜእቱን ዜውጽእን ስለዝኾነ ንንግድን፡ ንብረትን ንምኽዛንን ምንቅስቓስን ኣዚዩ ሓጋዚ ኢዩ።