መቓብር ኣዱሊስ፡ 38.52 ሜትሮ ዝንውሑ፡ 30.52 ሜትሮ ዝግፍሑ ርቡዕ ኩርናዕ ኮይኑ ብማእከላይ መንደቕ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ሕንጻ ኢዩ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ከምእትርእይዎ፡ እቲ ሰሜናዊ ክፋል ኣርባዕተ ሕንጻታት፡ መካበብያን ኣብ ውሽጢ እቲ መካበብያ ብሽዱሽተ ኣዕኑድ ዘጌጸ ኣፍደገ ኣለዎ። ኣብቲ ደቡባዊ ክፍሊ ብውርጹጽ ኣዕኑድ ዝወቀበ መቀደሲ/መሰውኢ ይርከቦ።
መቓብር ኣዱሊስ ኣብ 1907 ዓ.ም. ፓሪበኒ ዝተባህለ፡ ኢጣልያዊ ተመራማሪ ስነጥንቲ ምስ ኮዓቶ፡ 13 ዝኾኑ ኣስከሬን ቀዳሞት ኣዱላውያን ኣብ ጠቐራይ ዕንፎራ (ድረሰል 2-4 ዝብሃል) ተሓቲሞም ከምዝጸንሕዎ ይሕብር። ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ተመልከት። እዚ ዕንፎራታት እርሱ ተጎልሚሙ ከምዝተሓትመ ፓሪበኒ ይሕብር።
ከምዚ ኣብዚ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ ዝተገንዘብኩሞ ንሓደ ሙሉእ ሰብ ኣብ ርእሱ ዝተጎልመመ ጠቐራይ ዕንፎራ (43.3 ሰንቲመተር) ዓምጺጽካ ከተእትዎ ከቢድ ኢዪ። እዞም ኣብ ኣዱሊስ ዝተሰነዱ ኣስከሬን ቀዳሞት ኣዱላውያን ከኣ፡ ከምኡ ስለተረኽቡ ወይ ካልኣይ መቓብር ወይ ድማ ኣስከሬን ኣገደስቲ ሰባት/ቅዱሳት-ሰባት ካብ ካልእ ቦታ ተኣኪቡ ዝመጸ (ልክዕ ከም ኣስከሬን ስዉኣት ቃልሲ ኤርትራ ካልኣይ መቓብር ዝተገብረሉ) ክኸውን ኣለዎ ዝብል ገምጋም ኣሎ። እዚ ኣስከሬናት ኣዱላውያን ኣባና ኣይበጽሔን ከም ብዙሕ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝጠፍኣ ጠፊኡ።
ጠቐራይ ዕንፎራ፡ ካብ 70 ቅድሚ ልደተ ክርቶስ ክሳብ 79 ዓ.ም. ቀንዲ መመላለሲ ወይኒ ኮይኑ፡ ኣብ 79 ዓ.ም. ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ። ኣብ 79 ዓ.ም. እሳተጎመራ ቨሱቪዮስ ነቲጉ ነቲ መፈብረኺ ጠቐራይ ዕንፎራን ግራውቲ ወይኒን ስለዘዕነዎ። እሳተጎመራ ቨሱቪዮስ እቲ ንኸተማ ፖምፐይ (ግዝኣት ሮማ) ዝቀበረ እሳተጎመራ ኢዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ኣዱሊስ ዝተረኽበ ኣስከሬን ዝሓተመ ጠቐራይ ዕንፎራ ካብ 70 ቅድሚ ልደተ ክርቶስ ክሳብ 79 ዓ.ም. ዝኾነ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ድሕሪ 79 ዓ.ም እዚ ጠቐራይ ዕንፎራ ዝለዘይተሰርሔ ኣብ ዕዳጋታት ቀይሕ ባሕሪ ኣይተራእየን።